آخر مشاهدة
١ يناير ٢٠١٣
آخر موقع معروف
ሲና (Sinai Peninsula, Egypt)
تاريخ الاختفاء
١ يناير ٢٠١٣
مكان الاختفاء
ሲና (Sinai Peninsula, Egypt)
እዚ ኣብ ታሕቲ ንርእዮ ዘለና ማእከለ ተስፋምካኤል ይበሃል፡ኣዲኡ ደስታ ካሕሳይ ኣብ ጎልጅ ይነብሩ፡ ማእከለ ኣብ ጎልጅ ተወሊዱ ፡ክሳብ 1997 ኣብ ጎልጅ ይነብር ነሩ ፡ድሕሪ ዚ ካብ 1997-2006 ኣብ ከረን ሰከንደር ስኩል ከረን ትምህርቲ ወዲኡ ፡ከም ሰቡ ኣብ 20ዙርያ ወሪዱ፡ድሕር ዚ ከም ፖሊስ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ የገልግል ነሩ፡ ኣብ 2013 ድማ ከም ሰቡ ስደት ኣምሪሑ ሱዳን ኣትዩ፡ ብድሌት ብዘይ ድሌት ኣይተፈልጠን ሲና ኣትዮ ኢሉ ደዊሉ ነሩ ፡ኣብቲ ግዜ ሲና ብጣዕሚ ሕማቅ ነሩ ፡ገንዘብ ክሳብ ዝእከበሉ ፡እታ ዘይ ንርስዓ ሕንፍሽፍሽ ሲና ኣጋጢማ ፡ብድሕሪ ዚ ደሃይ ማእከለ ክሳብ ሕጂ ኣይተረክበን ስድራበቱ ከብድና ሓቂፍና ክሳብ ኣሎ ወይ ሞይቱ ዘይ ተበሃልና ፡ኩሉ ግዘ ሕዙናት ኢና ሞ በጃኩም ኣሕዋተይን ኣቦታተይን ኣዴታተይን ካብ ዘለናዮ ሻቅሎት ክንናገፍ መታን share share share ንበላ ብፍላይ ኣብቲ ግዜ ኣብ ሲና ዝነበርናን ተቀመቲ እስራኤልን share ንበላ በጃካትኩም ። ንዝኾነ ሓበረታ በዘን ተለፎናት ዳዊት ተከስተ 004915218591427(ጀርመን) ክብርኣብ ገብረመስቀል 002917130055(ከረን ኤርትራ) ፍዮሪ ተከስተ 002917497915(ከረን ኤርትራ) ብእትገብሩልና ሓገዝ ብልቢ እንዳ ኣመስገንኩ ፡ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ስደትና ኣሕጺሩ ምስ ስድራናን ኣሕዋትናን ንፈትዎም የዕሩኽትናን የራክበና። ኣሜን ኣሜን ኣሜን
ሓበሬታ ካብ Information sourced from https://www.facebook.com/Miissing.Eritreans ኣባላት ስድራቤት እንተኾይንኩም ክትረኽቡና ንዕድም።
إذا كانت لديك معلومات حول هذه القضية، يرجى إرسال بلاغ أعلاه أو الاتصال بنا على info@missingfromeritrea.org.
إذا رأيت ማእከለ ተስፋምካኤል أو لديك أي معلومات قد تساعد، يرجى مشاركتها معنا. كل معلومة مهمة.