
ዝመጨረሻ ዝተራኣየ
ግንቦት 2, 2024
ዝመጨረሻ ዝተፈልጠ ቦታ
ጅቡቲ
ኣብርሃም ተኸስተ ሓጎስ ይበሃል ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሓዝ-ሓዝ ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ ኢዩ ፣ ኣብርሃም፡ ኣብ ሓዝ-ሓዝ ዝዓበየን ኣብ ቤት ትምህርቲ ባርካ ዝተማህረን ፡ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ኰይኑ፣ ኣብ 2023፡ ኣብታ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ከባቢ መንደፈራ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊት 32፡ 4ይ ብርጌድ፡ 2ይ ቦጠለኒ ኣብ ሰራዊት ኣብ ቦትኡ ነይሩ።ብድሕሪ እዚ፣ ናብ እዚ ምብራቕ፡ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓሰብ ምስ ኣሃድኡ ግዒዙ። መንእሰይ ኣብርሃም፡ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ድሕሪ ቕሩብ ድሃይ ኣጥፊኡ።ግንቦት 2- 2024፡ ምስ ሓሙሻይ ርእሱ ናብ ዶብ ጅቡቲ ወይ ኢትዮጵያ ገጹ ኣምሪሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣባላት ስድራቤት እንተኾይንኩም ክትረኽቡና ንዕድም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ እንተ ኣለኩም፡ ኣብዚ ገጽ ብዘለዉ መጠወቒታት ንገሩና ወይ ኣብ info@missingfromeritrea.org ርኸቡና።