ዝመጨረሻ ዝተራኣየ
ሓምለ 1, 2025
ዝመጨረሻ ዝተፈልጠ ቦታ
ኣዲስ ኣበባ
ዕለት ምጥፋእ
ሓምለ 1, 2025
ቦታ ምጥፋእ
ኣዲስ ኣበባ
ጻዊዒት ደሃይ ኣጥፊኣ ዘላ ጓልና ምትሕብባር ይምልከት !! እዛ ንዕዘባ ዘለና ሓፍትና ሊድያ ፡ ተ/ሚካኤል ትብሃል ። ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ኣብ ኤርትራ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኮይኑ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጓል 24 ዓመት ኮይና ኣላ ። ኣብ መጀመርያ ዕርቂ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ኩሉ ሰብ ተሰዲዳ ድሕሪ ምምጽኣ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክትነብር ድሕሪ ምጽንሓ ኣብ ወርሒ 07/2025 ዓ/ም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመንገዲ ሱዳን ኣቢላ ናብ ሊብያ ንምብጻሕ ኢላ ምስ ተበገሰት ፡ ገና ካብ ኢትዮጵያ ከይወጸት ድማ ኣብ ከተማ ጎንደር በጺሐ ኣለኹ ብምባል ሓንሳብ ናብ ማሓዙታ ቴሌፎን ደዊላ ምንባራ ይፍለጥ ። ብድሕርዚ ግና ኣበይ ከም ዝኣተወትን ኣበይ ከም ዝበጽሐትን ፍጹም ደሃያ ሃጢሙ ብምህላው ወለዳ ይኹን መቕርብ ቤተ ሰባን ፈተውታን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሮም ከብዶም ሓቑፎም ደሃይ ንእስቲ ጓሎም ሊድያ ክሰምዑ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ኣለው ። ስለዚ ንሊድያ ሓፍትና ዝረኣየ ወይ ኣብ ዘላቶ ቦታ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ደኣሎ ወይ ውን ዘጋጠማ ኩነታት ብልክዕ ክሕብረና ዝደሊ ሰብ ብግልጺ ይኹን ብውሽጢ ህልው ኩነታት ሓፍትና ሊድያ ክትህቡና ብትሕትና ንሓትት ኣለና ፡ ፈጣሪ ጥዑም ብስራት ከስመዓና ድማ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክርዋን ሼር ብምባል ናብ ኩሉ ክብርጽሕ ምግባርን ምትሕብባርኩም ኣይፈለየና ይብሉ ስድራ ቤት ሓትና ሊድያ ፡ ተስፋሚካኤል። በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ደዊልኩም ወይ ጺሒፍኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም ። በረከት በሪሁ 002768287311 { ደቡብ ኣፍሪቃ } ኮኾብ ኪዳነ 00251985040388 { ኢትዮጵያ } ዮውሃንስ ሰልጠነ 0041782430662 {ሱዊዘርላንድ} መርሃዊ ካሓሰ 5198358394 { ካናዳ} Kehasemerhawit07@gmail.com berih0@gmail.com Yohannesseltene123@gmail.com
ሓበሬታ ካብ Information sourced from https://www.facebook.com/Miissing.Eritreans ኣባላት ስድራቤት እንተኾይንኩም ክትረኽቡና ንዕድም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ እንተ ኣሎካ፡ ኣብ ላዕሊ ብልጫ ልኣኽ ወይ ኣብ info@missingfromeritrea.org ርኸቡና።
ሊድያ ተ/ሚካኤል ትብሃል ርኢኻዮ ወይ ክሕግዝ ዝኽእል ሓበሬታ እንተለካ፡ በጃኻ ምሳና ኣካፍል። ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ ኣገዳሲ እዩ።